Fana: At a Speed of Life!

ቴሌቭዥን ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ፈተነ ፈነወ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቴሌቭዥን ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ሎሚ ብዕሊ ተመሪቑ ፈተነ ፈነወኡ ጀሚሩ፡፡

ነቲ ጣብያ ፈተነ ፈነወ መሪቖም ዘኽፈቱ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉን ካልኦት ኣመራርሓታትን እዮም፡፡

እቲ ጣብያ ፈነወኡ ጀሚሩ ዘሎ÷ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ምዃኑ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚዲያ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኦሮሚያ ብሮድካስት ኔትወርክን ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ከቲሞም፡፡

ከይዲ ስነ-ስርዓት እቲ ክታም÷ ርእሳነ ምምሕዳር ክልቲአን ክልላት ኣብ ዝተረኸብሉ መካየድቲ ስራሕ እቶም ሚዲያታት ተኻይዱ።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ኣብታ ክልል መረሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣካይዶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.