Fana: At a Speed of Life!

ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ብኹለ መዳይ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ዓውዲ ትራንስፖርት ብቐዳምነት ምዝማን የድሊ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ብኹለ መዳይ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ዓውዲ ትራንስፖርት ብቐዳምነት ምዝማን የድሊ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዓውዲ ትራንስፖርት ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ኣብዝተረኸብሉ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኩሉ ምንቅስቓስ ቁጠባ እዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ትራንስፖርት እዛ ሃገር ፅግዕተኛ ብምዃኑ ብትኹረት ክስረሐሉ ይግባእ ኢሎም።
ነዚ ዕውት ንክኸውን መንግስቲ ትልሚ ካብ ምድላው ጀሚሩ ልዑል በጀት ብምምዳብ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም።

ሚንስትር ትራንስፖርት   ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስ ብግደአን፥ ኣብቲ መሪሕ ትልሚ  ትራንስፖርት ቴክኖሎጂ መሠረት ዝገበረ ስርዓት ትራንስፖርት ንምዝርጋሕ ክስራሕኢዩ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.