Fana: At a Speed of Life!

ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግጥም መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ቡሩንዲ ክትራኸብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግጥም መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ቡሩንዲ ክትራኸብ ኢያ።

ብኣሰናዳእነት ሃገራት ኮስታሪካን ፓናማን ዝሳለጥ 10ይ ግጥም ፅዋዕ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ንምሕላፍ ኣብ ዝግበር መፃረዪ ፀወታ ኢያ እታ ሃገራዊት ጋንታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቡጁምብራ ምስ መዘነኣ ሃገራዊት ጋንታ ቡሩንዲ ግጥማ እተካይድ።

16 ሃገራት ኣብ ዝሳተፋሉ እቲ ንሕንሕ ፅዋዕ ዓለም፥ ንኣህጉር ኣፍሪካ ወኪለን ካብ ዝሳተፋ ክልተ ሃገራት ሓንቲ ንምዃን ብርቱዕ ንሕንሕ ከምትገብር እውን ትፅቢት ይግበር።

ብቕድሚ ትማሊ ናብ ርእሰ ከተማ ቡሩንዲ ቡጁምብራ ዝተጉዓዘት ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ፥ ትማሊ ድማ ግጥም ኣብ ዝካየደሉ ስታዲየም ኢንዋራ ልምምድ ሰሪሓ ኢያ።

እቲ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ካየድ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.