Fana: At a Speed of Life!

ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝጅምር ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ ውድድራት ክሳተፉ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 12 መፃረዪ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝግበር እንትኸውን፥ ምሸት ሰዓት 12፡30 ድማ መፃረዪ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ ኢዩ፡፡

ውድድራት ፍፃመ ለይቲ ዝካየዱ እንትኾኑ፥ ለይቲ ሰዓት 7፡00 ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ለይቲ ሰዓት 7፡55 ድማ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ክካየዱ ኢዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 1፡08 መፃረዪ ውድድር 800 ሜትሮ ከምዝካየድ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.