Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ኣብቲ ውድድር፥ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብኽልቲኡ ፆታ፣ ከምኡ እውን ብ3 ሺሕ ሜትሮ ብደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓወትቲ ክኾኑ ክኢሎም።

ብመሰረት እዚ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተገበረ ንሕንሕ ኣትሌት ጉፍ ፀጋይ ቀዳመይቲ ኮይና እንትትዕወት፥ ለምለም ሃይሉን ኣኽሱማዊት እምባየን ድማ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ብምዃን ነቲ ዓወት ኣድሚቐንኦ።

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።

ብ3 ሺሕ መሜትሮ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እውን ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ጌትነት ዋለን ሰለሞን ባረጋ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ተኸታቲሎም ኣትዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.