Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ኣብ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ብዘጋጠመ ሓያል ምፍንጃር ነታጒ ልዕሊ100 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ብዘጋጠመ ሓያል ምፍንጃር ነታጒ ብውሑዱ 100 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ወደባዊ ክፋል እታ ከተማ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘደንግፅ ነታጒ፥ ክሳብ ሕዚ መልዐሊ እቲ ሓደጋ ኣይተፈለጠን ተባሂሉ።

በቲ ነታጒ ብዙሓት ሰባት ከምዝተጎድኡን ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ሚኒስቴር ጥዕና ሊባኖስ ሃማድ ሓሰን ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብውሕዱ 100 ክብጽሕ እንከሎ፥ ልዕሊ 4000 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ኣዝዩ ዘሰንብድ ደምፂ ከምዝነበሮ መሰካኽር ዓይኒ ዝተዛረቡ ኮእኖም፤ ክሳብ 240 ኪሎ ሜትሮ ርሕቀት ከምዝተሰምዐን ምልእቲ ከተማ ከምዝተናወፀትን ተሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ኣብ ከባቢ እቲ ወደብ ተኸዚኑ ዝነበረ 2 ሺሕን 500 ቶን ዝምዘን ኬሚካል ብምፍንጃሩ እንትኸውን፥ ንሽዱሽተ ዓማውቲ ድሕንነቱ እንተይተሓለወ ተኸዚኑ ከምዝነበረ ፕዚዳንት እታ ሃገር ሚካኤል ኣውን ገሊፆም።

ሊባኖስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝለዓለ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ትርከብ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.