Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 511 ሰባት ቫይረስኮሮና እንትርከቦም 8 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5ሺሕን 884 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 511 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 94 ሺሕን 128 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 8 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ ቁፅሪ ሰባት 1 ሺሕን 445 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃብ 24 ሰዓታት 818 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር ክሳብ ትማሊ 48 ሺሕን 968 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ክንክን ሕክምና ዝርከቡ ሰባት 43 ሺሕን 803 እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ድማ 314 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.