Fana: At a Speed of Life!

ትራምፕ ነብሰ ፁራት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዋ ዝኽልክል ኣሰራርሓ ክትግብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነብሰ ፁራት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዋ ዝኽልክል ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዝገብር ተገሊፁ።

ነብሰ ፁር ኣዴታት ናብ መሬት ኣሜሪካ ከይደን ብምውላድ ዝወለደኦ ህፃን ዜግነት ኣሜሪካ ንኽረክብ ዝገብረኦ ፃዕሪ ንምክልኻል ዝዓለመ ኣሰራርሓ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣሰራርሓ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ካብ ዋይት ሃዉስ ዝወፅኡ ሓበሬታታት የረድኡ።

ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብግድኡ፥ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ንዝጓዓዛ ነብሰ ፁራት ቢ1ን ቢ2ን ቪዛ ሓፂር ግዘ ዑደት ከምዘይህብ ተገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ፥ ካብ ዝተሓረያ 39 ሃገራት ኣውሮፓን ካልኦት ውሱናት ሃገራትን ዝመፅኣ ነብሰ ፁራት ኣይምልከተንን ተባሂሉ።

በቢዓመቱ 10 ሺሕ ዝኾና ነብሰ ፁር ኣዴታት፥ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሃገረ ኣሜሪካ እናኸዳ ከምዝወልዳ ሓበሬታታት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ ሲ ኤን ኤን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.