Fana: At a Speed of Life!

ትራንስ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ናውቲ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትራንስ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዝ ናውቲ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋርን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ኣበርኪታ።

እታ ትካል፥ 20 ሽሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ንምምሕዳር ከተማ መቐለ፤ 6 ሽሕ ማስክን 2 ሚእቲ ሊትሮ ኣልኮልን ድማ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር ከም ዘበርከተ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትራንስ ኢትዮጵያ ኣይተ ሙዑዝ ይሕደጎ፥ ትራንስ ኢትዮጵያ ንሕብረተ ሰብ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናበርከተት ከም ዝመፀኣት ብምግላፅ፤ ሐዚ እውን ለበዳ ቨይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስቲን ደው ብምባል ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከም ትገብር ገሊፆም።

ኣብ ሕሱም ኩነታት ዘይሽነፍ ፍቅሪን ምትሕልላይን ዘለዎም ህዝቢታት ትግራይን ዓፋርን ሐዚ እውን ንዘጋጥሙዎም ፈተናታት ሓቢሮም ንምስጋር ይሰርሑ ምህላዎም ዝገለፁ ኣይተ ሙዑዝ፥ “ኣብ እነሳልጦም ስራሕቲ ኣብ ጎኒና ንዝስለፍ ህዝቢ ዓፋር ከምኡ እውን ኮሞሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣብዚ ፈታኒ እዋን እዚ ሓገዝ ክንገቢር ወሲንና ሓገዝና ድማ ክቅፅል እዩ” ኢሎም።

ምምሕዳር ከተማ መቐለን ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋርን ብወገኖም፥ ትራንስ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ሓገዝ ናውቲ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ኣመስግኖም።

ፍልፍል፦ ኤመሓት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.