Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 4 ኣዋርሕ 130 ሚሊየን “ማስክታት” ከምዘድሊየን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካላት ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 4 ኣዋርሕ 130 ሚሊየን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክታት) ከምዘድሊየን ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝዓለሙ እታዎታት ኣብ ምምላእ ይስራሕ ኣሎ።

ብፍላይ ብብርኪ ዓለም ኣብ ትካላት ጥዕና ንዘለዉ ሰብ ሞያታት ዝኾኑ ማስክታት ሜዲካል ሕፅረት ከምዘሎ ገሊፀን።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን 4 ሚሊየን ማስክታት ጥራሕ ከምዝነበረ ዝሓበራ ዶክተር ሊያ፥ ድሕሪኡ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ልዕሊ 7 ሚሊየን ማስክታት ንትካላት ጥዕና ከምዝተዓደለ ኣብሪሀን።

ትካላት ጥዕና ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ንዝስራሕኡ ዘሎዋ ስራሕቲኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 130 ሚሊየን “ማስክታት” ከምዘድሊየን እውን ገሊፀን።

እቲ ሕፅረት ንምቕራፍ ካብ ወፃኢ ዓዲ ምስ ዝመፅእ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እቲ መዐቀኒ ብምምላእ ንምፍራይ ምስ ዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮታት ብሓባር ብምዃን ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ብተወሳኺ ብብርኪ ሃገር ንምትንፋስ ሓገዝቲ ዝኾኑ 221 ቬንትሌተራት ተዳሊዮም ከምዘለዉ ሓቢረን።

ከም ሃገር ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ስዒቡ እታዎታት ናይ ምምላእን ዓቕሚ ምርመራ ናይ ምውሳኽን ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣብሪሀን።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ዝተርኣየ ውፅኢት ኣዝዩ ዘፍርሕን እቲ ምልባዕ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከምዝኣተወን ዘርእይ ብምዃኑ፥ ዝግበር ምርመራ ምስፋሕን ምልባዕ እቲ ሕማም ኣብይናይ ብርኪ ከምዝበፅሐ ዘርእይ ምርመራ “ኣንቲ ቦዲ” ምክያድህን ልዑል ፍታሕ ዘምፅእ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ብተወሳኺ  ኣብ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዓሊሞም ዝተደንገጉ እግዳት ምትግባር ግድን ኢዩ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.