Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ፋይናንስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ድሕንነት መጥቃዕቲ ሳይበር ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ፋይናንስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ድሕንነት መጥቃዕቲ ሳይበር ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፥ ኣብ ጉዳይ ድሕንነት ሳይበር ኣመልኪቱ ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ትካላት ፋይናንስ መዕበዪ ግንዛበ ስልጠና ተዋሂቡ፡፡

ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴ፥  ምህዳር ሳይበር በቢእዋኑ ዝቀያየር ስለዝኾነ ትካላት ፋይናንስ ኣብቲ ዓውዲ ትኹረት ብምግባር ንመጥቃዕቲ ከይኾና ምግባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

መጥቃዕቲ ሳይበር ገበን ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ይናገር፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፋይናንስ ዘስዕቦ ጉድኣትልዑል ስለዝኾነ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ ዶክተር ሹመቴ ግዛው ብግደኦም፥ ትካላት ፋይናንስ ካብ ካልኦት ዘፈራት ብዝበለፀ ንመጥቃዕቲ ሳይበር ተቓላዕቲ ብምዃነን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ድሕንነት መጥቃዕቲ ሳይቨር ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም፡፡

እቲ ዝወሃብ ስልጠና፥ ኣብ እንታይነት፣ ባህሪ ሳይበርን ኣብ ካልኦት ትኹረት ዘድሊዮም ድሕንነት ሳይበርን ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.