Fana: At a Speed of Life!

ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ 2021 ኢኮኖሚ ዓለም ምዕባለ ከምዘርእይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ 2021 ኢኮኖሚ ዓለም ምዕባለ ከምዘርእይ ገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ አዳውሮፓውያን ኣብ 2020 ኢኮኖሚ ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ 19 ናብ ኣሉታ  3 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ወሪዱ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን እንበር እቲ ትካል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ 2021 ናይ 6 ሚኢታዊ ምዕባለ ከምዘርኢ ኢዩ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ ዝማዕበላ ሃገራት ብ5 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርእያ ብምግላፅ፥ ኢኮኖሚ ኣሜሪካ ብ6 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ምዕባለ ከርእይ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ድማ ኣብ 2021 ዓ.ም 6 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ዕብየት ከመዝግባ ኢየን ኢሉ።

ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት 3 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕብየት እንተርእያ፥ ኢትዮጵያ ድማ 2 ሚኢታዊ ዕብየት ከምእተመዝግብ ተንቢዩ ኣሎ።

ናህሪ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ዓ.ም 20 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ መንባሩ ብምዝኽኻር፥ ኣብ 2021 ድማ ናብ 13 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ከመዝወርድ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.