Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ስርዓት ኣልቦ ዝዓሰላ ማእኸል ስቓይ ኮይና ኣላ – ትዴፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ )ትግራይ ንዓቅመ ኣዳም ዘይባፅሑ ሰገናት ናብ ኲናት ዝጓሓፉላ፣ ስርዓት ኣልቦ ዝዓሰላ ማእኸል ስቓይ ከምዝኾነት ምክትል ሓላፊ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣይተ ተስፋየ ኣለማየሁ ገሊፆም።

ኣይተ ተስፋየ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ “ትግራይ ኣቢያተ ትምህርቲን ኣገልግሎት መውሃቢ ትካላትን ቤት ማእሰርቲ ዝኾናላ ጓታናሞ ኣፍሪካ ኮይና ኣላ” ኢሎም።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይድግፉ ኢዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት ዝእሰሩላ፣ ንዕቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበፅሑ ሰገናት ናብ ኲናት ዝዋፈሩላ ማእኸል ስቓይ ከምዝኾነት እውን ኣብሪሆም።

ኣቢያተ ትምህርቲ ትግራይ፣ ዩኒቨርሲቲታት፣ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፣ ሆቴላት ኩለን ቤት ማእሰርቲ ከምዝኾና እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

ጉጅለ ህወሓት፥ ህዝቢ ትግራይ ብኢትዮጵያዊነቱ ከምዘይደራደር ስለዝተረድኡ ምስ ዝተረፉ ኢትዮጵያውያነር ኣሕዋቱ ከፃለኡዎ እናፀዓሩ ከምዝነበሩ ኢዮም ኣይተ ተስፋየ ዝገለፁ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ፥ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ፣ ኢኮኖሚን ፍልስፍና ምምሕዳርን ዘይነበሮም ልኡኽቶ ሓይሊታት ወፃኢ እናፈፀሙ ከምዝነበሩ እውን ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ናምንፃል ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዙ እናትንቀሳቐሱ ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ተስፋየ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ሚዲያ ግብፂ ዘልዐሎ ሓሳብ እውን ነዚ እኩይ ዕላምኡ ዘንፀባረቐ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.