Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ እትመሃሩላ ጥራሕ ዘይኮነትስ ኩሉ ጊዜ እትመላለሱላ ገዛኹም ንኽትከውን ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ኢና-ዶ/ር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩንቨርስቲ መቐለ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠኖም ልዕሊ 4 ሺሕን 200 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቲ ዩንቨርስቲ ንመበል 28 ዙር ኣብ ዘካየዶ ስነ ሰርዓት ምረቓ ተምሃሮ ካብ ቀዳማይ ዲግሪ ክሳብ ፒ ኤች ዲ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ኢዮም።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፣ ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ፣ ተመረቕቲ ተምሃሮን ቤተሰብ ተመረቕቲን ይሳተፉ ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ክቡር ጋሻ እቲ ስነስርዓት ምርቓ  ዶክተር ደብረፂዮን ንተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ትግራይ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ እትመሃሩላ ጥራሕ ዘይኮነትስ ኩሉ ጊዜ እትመላለሱላ ገዛኹም ንኽትከውን ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ዩንቨርስቲ ባህር ዳርን ሃዋሳን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘሰልጠንዎም 12 ሺሕን 300 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.