Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ ደም ዝፈሰላ ዘይኮነትስ ልምዓት ዝውሕጀላ ንክትከውን ኩላትና ብሓባር ንኽተት-ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ፅምብል በዓል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት 11 ለካቲት ብዝምልከት ኣብ ስታዲዮም ትግራይ ሎሚ መዓልቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን በዓል 11 ለካቲት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ከምኡ’ውን ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርናን ወፃኢ ዓድን ብድሙቕ ኩነታት እናተኸበረ ምምፅኡ ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን፣ እንግዶት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ፣ ተወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪካን፣ መላእ ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኸብሉ ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ስታዲየም ትግራይ ብድሙቕ ኩነታት ተፀምቢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ለባም፣ መስተውዓሊ፣ ዓቃልን ፀዋርን ምዃኑ ብምግላፅ መደረኦም ዝጀመሩ ክብሪ ጋሻ እቲ በዓል ዶክተር ደብረፂዮን፥ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ “እንኳዕ ንመበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣብፀሐኩም” ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላልፎም።

በዓል 11 ለካቲት ትእምርተ ፅንዓትን ቃልስን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝነብሩ ውፁዓት ህዝብታት ብምባል፥ እቲ በዓል ብደም ዝተፅሓፈ ታሪኽ ዝተነበረሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ድሙቕ ታሪኽ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ንኣብነት ኣብ ዘበነ ኣክሱም ክሳብ የመን ዝዘልቕ ግዝኣት ከምዝነበሮ ድማ ኣዘኻኺሮም።

ካብዚ ሓሊፉ ትግራይ መበቆል እምነታት ክርስትናን እስልምናን ካብ ምዃና ብተወሳኺ ትእምርተ ምክብባርን ምክእኣልን ኩሎም ሃይማኖታተ ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ኣብዛ ሃገር ብመሰረት ዝተፈጠረ ዘይተረጋገዐ ፖለቲካ ተጋሩ ምብራርን ከም ህዝቢ ንኽንብርከኽ ምፅዓርን ትኽክል ስለዘይኮነ “እቲ ዝተጀመረ ግጉይ መገዲ ወይ ይኣክል ወይ ይቀየር” ብምባል ኣተሓሳሲቦም።

 

እቲ ኩነታት ብምቕያር ማዕርነትን ሓድነትን ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክረጋገፅ ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ልምዓት ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፍወዎ መልእኽቲ፥ ህወሓት ድኽነትን ድሕረትን ንምቕናስ ዓሊሙ ኣብ ዝሓለፉ 28 ዓመታት ብዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምስሊ ሃገር ከምዝቐየረ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም መርኣያ ድኽነት ተባሂላ እትፍለጠሉ ካብ ዝነበረ ታሪኽ ወፂኣ መርኣያ ልምዓትን ሰላምን ክትከውን ከምዝኸኣለት ኣብሪሆም።

ታሪኽ ህወሓት ታሪኽ ልምዓትን ሰላምን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ካብ ባዕዳዊ ወራር ምንጋፍ ከምዝኾነ እውን ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ሓቢሮም።

መንግስቲ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ህዝቢ ንምምላስ ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እዚ ተግባር ተጠናኹሩ ከምዝቕፅል ድማ ኣረጋጊፆም።

ናይዚ መርኣያ ን25 ዓመታት ዝፀምንሑ ሕቶታት ምሕዳራ ምላሽ ምሃብ ብምጅማሩ፥ ኩለን ምምሕዳራት ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ብስርዓት ዘይምእኹል ምሕደራ ይምራሓ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

“ትግራይ ደም ዝፈሰላ ዘይኮነትስ ልምዓት ዝውሕጀላ ንክትከውን ኩላትና ብሓባር ንኽተት” ድማ ኢሎም።

ነዚ እውን ኣብዚ ዓመት ዘጋጠመ ኣምበጣ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ዝነበረ ሓድነት ኣብ ምርግጋፅ ልምዓት፣ ምንጋስ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ክድገም ይግባእ ብምባል ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፂዮን፥ ንህዝቢ ትግራይ ደጋጊምካ ምስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋጊምካ ምስዋእ ክብሪ ኢዩ እውን ኢሎም።

ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክልቲኦም ህዝብታት ብታሪኽ፣ ባህሊን ደምን ዝተኣሳሰሩ ስለዝኾኑ ኣሕዋት ህዝብታት ኢዮም ብምባል ገሊፆም።

ስለዝኾነ ብደም ዝተኣላለሹ ህዝብታት ከምዘይኮኑ ሓቢሮም።

ናይዚ መርኣዪ ድማ፥ ህዝቢ ትግራይ ንናፅነት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋቱ ብምስላፍ ደጊፉ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓደ ሓደ ኣካላት ዘርእይዎ ዘለዉ ምንቅስቓስን ግጉይ ኣገላልፃን ትኽክል ስለ ዘይኮነ፥ ክእረም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.