Fana: At a Speed of Life!

ትግርኛ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንምብራቕ ኣፍሪካ ዘገልግል ካልኣይ ቻናል ኦ.ቢ.ኤን ብብርኪ ፈተነ ፈነውኡ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሮድካስቲንግ ኔትዎርክ ኦሮሞ(ኦ.ቢ.ኤን) ትግርኛ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንምብራቕ ኣፍሪካ ዘገልግል ካልኣይ ቻናሉ ብብርኪ ፈተነ ፈነውኡ ጀሚሩ።

እቲ ቻናል “OBN Horn Of Africa” ዝብል ስያመ ዘለዎ እንትኸውን፥ ዕላምኡ ድማ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ንምቅርራብን ምጥንኻርን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዜና፣ ፕሮግራምን ተሃድሶን ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ኢንግሊዘኛ፣ ዓረቢኛ፣ ሶማሊኛ፣ ሱዋሂሊ፣ ዓፋርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ሲዳሚኛ ወዘተ ከምዘተሓላልፍ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.