Fana: At a Speed of Life!

ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ህንዲ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ከምዝዓደገት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይናን ህንድን ኣብ ዶባዊ ወጥሪ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ሓይሊ ኣየር ህንዲ ‘ራፋል’ ዝተሰመያ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ተረኪቡ።

ህንዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2016 ዓ.ም 36 ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ፈረንሳይ ክትዕድግ ኣብ ስምምዕ በፂሓ ነይራ’ያ።

ምምፃእ ናይተን ነፈርቲ’ውን መቐፀልታ ናይቲ ስምምዕ ምዃኑ እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ህንዲ ነቲ ናይ እዋን ሕብረት-ሶቬት-ነበር ኣፅዋር ዝተዓጥቀን ዝደክም ዘሎን ሓይሊ ኣየራ ዘመናዊነት ንምልባስ ኣብ ምስራሕ ከምእትርከብ ተገሊፁ።

ክኢላታት እተን ነፈርቲ ግን እተን ሐዚ ኣእትያተን ዘላ ራፋል ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት፥ ኣብ እዋን ኲናት ቀልጢፍካ ከተበግሰን እትኽእል ከምዘይኮና እዮም ዝሕብሩ።

እተን ነፈርቲ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ነዳዲ ናይ ምምላእ ዓቕሚ ዘለወን እንትኾና፥ ህንዲ ነተን ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ኣብ ዝመፅእ ዓመት ምሉእ ንምሉእ ከምእትቕበለን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.