Fana: At a Speed of Life!

ቻይናን ሩሲያን ዝርከበኦም 13 ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሃገራት ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ክህሉ ከምዘይግባእ ፀዊዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ተዋሳእቲ ሰብኣዊ መሰል ንኸኽብሩ ዓለም ለኸ መምርሒታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ተግባራዊ ክገብራ ይግባእ ክብላ ቻይናን ሩሲያን ሓዊሱ 13 ሃገራት ፃውዒት ኣቕሪበን።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰብኣዊ መሰል ከም ምኽንያት ብምምጥቃም ኣብ ውሽጣዊ ጉጋያት ሉኣላዊ ሃገራት ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ክህሉ ከምዘይግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ዓለም ፍትሓዊነትን ማዕርነትን ንኸዓስል፥ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ምርግጋፅ ግቡእ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተጣየሸሎም ዓለም ለኸ መምርሒታት መሰረት ዝገበረ ፍትሓዊነትን ማዕርነትን ብምርግጋፅ በይናዊ ምንቅስቓስ ምቅላስ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

13ቲአን ሃገራት ብምውካል ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ተወካሊ ቻይና ኣምባሳደር ቼን ሹ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ብብርኪ ዓለም ብብርኪ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ብምሕላው ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ምህናፅ መሰረታዊ ጉዳይ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋፅ ኩሎም ወገናት ዓለም ለኻዊ ስርዓት ሓቃዊን ፍትሓዊን ክገብራ ከምዝግባእ ኣገንዚበን ክብል ሲጂቲኤን ፀብጺቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.