Fana: At a Speed of Life!

ቻይና፣ ሩስያን ኢራንን ንፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክፀልዋ ይሰርሓ ኣለዋ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና፣ ሩስያን ኢራንን ንፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክፀልዋ ፃዕሪ ዝገብራ ዘለዋ ሃገራት ምዃነን ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ ዊልያም ኢቫኒንያ ተዛሪቦም።

እቲ ዝወፅአ መግለፂ፥ እተን ሃገራት ብግሁድን ብሕቡእን ኣገባብ ነቲ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ፅልዋ ክፈጥራሉ ይሰርሓ ምህላወን ገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2016 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዚደንታዊ ምርጫ ሩስያ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንኽዕወቱ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረፁኒ ምትእትታው ገይራ ምንባራ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ሩስያ ነዚ ክሲ እዚ ኣብ ግዚኡ ነፂጋቶ እያ።

ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለ፥ ምምሕዳሮም ነዚ ነገር ብደቂቕን ብቐረባን ክከታተሎ’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ፕሬዚደንታዉ ምርጫ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ፥ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሪፓብሊካን ወኪሎም ንካልኣይ ግዜ ንኽምረፁ ንዲሞክራትስ ወኪሎም ዝወዳደር ድማ ናይ ቅድም ምክትል ፕሬዚዳንት ዝነበሩ ጆ ባይደን እዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.