Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተተሓሓዘ ላዕለዎት ሰብመዚ ሰጒጓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቻይና ላዕለዎት ሰብመዚ ግዝኣት እታ’ቲ ቫይረስ ዝተልዓለላ ግዝኣት ሁበይ ተሰጒጐም።

ካብ ሓላፍነቶም ካብ ዝተሰጎጉ ላዕለዎት ሓለፍቲ፥ ሓላፊ ኮሚሽን ጥዕና፣ ዋና ፀሃፊ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ተረቋሕቲ ኢዮም።

ምክትል ሓላፊ ቀይሕ መስቀል እቲ ከባቢ ድማ ረድኤት ኣጠፋእፊኦም ብምባል ካብ ስርሖም ተባሪሮም ኣለዉ።

ብብርኪ ሃገር ዛጊድ በቲ ሕማም 1 ሺሕን 16 ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብታ ግዝኣት ጥራሕ ኣብ ሓደ መዓልቲ 106 ሰባት ሞይቶም።

እንተኾነ፡ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናይ 20 ሚኢታዊ ምጉዳል ከም ዘርኣየ ድማ ተገሊፁ።

ገለ መራኸቢ ብዙሃን እታ ዓዲ ከምዝፀብፀበኦ፥ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ካብ ሓላፍነቶም እንትባረሩ ተወሳኺ ምርመራታትን መጠንቀቕታን ይወሃብ ኣሎ።

ካብ ሓላፍነቶም ዝስጎጉ ዘለዉ ሓላፍቲ ስራሕ መንግስቲ፥ ካብ ኮምኒስት ፓርቲ ድማ ተወሳኺ ቅፅዓት ይፅበዮም እዩ ተባሂሉ።

ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ሕማም ዕሽሽታ ኣርእዮም ተባሂሎም እዮም ዝንቀፉ።

ብፍላይ ብዙሓት ሕሙማት ዝሕግዝ ዝነበረ ዶክተር ምሟቱ ስዒቡ ቑጥዐ ከምዘልዓለ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.