Fana: At a Speed of Life!

ቻይና በዓል 11 ቢሊየን ዶላር ፕሮጀክት ዝሕደስ ሓይሊ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና በዓል 11 ቢሊየን ዶላር ፕሮጀክት ዝሕደስ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዕላዊ ገይራ።

ኣብ ቻይና በረኻ ሞንጎሊያ ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ብተወዳዳራይነቱ ካብ ዓለም ዝዓበየ ከምዝኾነን 16 ሚሊየን ኪሎ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፀሓይን ንነፋስን ከምዘፈልፍል ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ፕሮጀክት÷ ቻይና “ካብ ምልቃቕ ካርበን ናፃ ዝኾነ ኣማራፂ ሓይሊ ምጥቃም” ብዝብል ኣብ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘቕረበቶ ዛዕባ ንምትግባር መርአዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

መጠን ብኽለት ፀሓይ ፣ ንፋስን ኣየርን ንምንካይ ዝተመሓየሸ ሓይሊ እምኒ ፈሓም ብጥምረት ብምጥቃም ኣብ ዓመት ክሳብ 40 ቢሊየን ኪሎ ዋት ኣብ ሰዓት ንምፍልፋልን ዋና ከተማኣ ቤጂንግ፣ ቲያንጅ ዝተብሃለ ግዝኣት እታ ሃገር ከምኡ እውነ ሁቤይ ብዝሕደስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝስራሕ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.