Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ 5ጂ በይነ መረብ ሳትላይት ዕላዊ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋላክሲ ስፔስ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ በይነ መረብ ሳትላይት ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ነቲ ሓዱሽ ሳትላይት ንምምዕባል ሓምሻይ ወለዶ (5 ጂ) ግልጋሎት ኢንተርኔት ከምዝተጠቐመ እውን ገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ሳትላይት፥ ብተመጣጣኒ ክፍሊትን ቅልጡፍ ግልጋሎት በይነ መረብን ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኸውን ተኣሚኑሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ ንስትዓት ዝርገሐ ርክብ ኢንተርኔት ዘገልግሉ ዝነበሩ ካልኦት ጥረ ኣቐሑት ቴክኖሎጂ ብምትራፍ፥ ኣገልግሎቱ ብቐሊሉ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ፥ እቲ ሳትላይት ኣብ ውሽጢ 50 ዕፅፊ ርእሰ ኸተማ ቻይና ዝኾነ ቦታ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

እቲ ሳትላይት ኣብ መዛዘሚ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ዕላዊ ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ ሲ ጂ ቲ ኤን

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.