Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ትልሚ ዕቤት ኢኮኖሚ 2020 ከምዘይትነድፍ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ዓመታዊ ትልሚ ዕቤት ኢኮኖሚ 2020 ከምዘይትነድፍ ኣፍሊጣ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢኮኖሚ ምስ ዘስዐቦ ፅዕንቶ ተተሓሒዙ ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ድሕሪ 1990፥ ንፈለማ እዋን ዓመታዊ ሓፈሻዊ ትልሚ ዕቤት ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ከምዘይህልዋ ኢያ ኣፍሊጣ ዘላ።

እዚ ዕላዊ ዝገበረቶ ድማ ኣብ መኽፈቲ ዓመታዊ ኣኼባ ፓርላማ እታ ሃገር ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኬ ያንግ፥ ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ቁጠባዊ ሃፍቲ ዓለምን ምንቅስቓስ ንግዲን ብዘንፀላለወ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምርግጋፅ ኣይከኣልን ኢሎም።

ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ እታ ሃገር ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝነበረ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት እንትነፃፀር ብ6 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ነኪዩ ኢዩ።

ኣብ ቻይና ክሳብ ሕዚ 84 ሺሕን 79 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ፥ 4 ሺሕን 638 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራን ቢቢሲን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.