Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ልዕሊ ነበር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 28 ኣሜሪካውያን ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ልዕሊ ነበር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 28 ኣሜሪካውያን ማዕቐብ ኣንቢራ።

እቲ ማዕቐብ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻይና ኣቲዮም ኢዮም ብዝብል ዝተነበረ ምዃኑ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣፍሊጡ፡፡

ኣማኻሪ ንግዲ ትራምፕ ፒተር ናቫሮ፣ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ሮበርት ኦብሪዮን፣ ሓጋዚ ፀሓፊ ጉዳያት ምብራቕ እስያን ፓስፊክን ዴቪድ እስትዌል፣ ሚኒስትር ጥዕና ኣሌክስ ኣዛር፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ልኡኽ ኣሜሪካ ኬሊ ክራፍት፣ ነበር ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ትራምፕ ጆን ቦልተንን ነበር ኣማኻሪ ስቴፈን ባኖን ባዕቐብ ከምዘንበረትሎም ተገሊፁ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ፥ ማዕቐብ ዝተነበረሎም ነበር ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ግላዊ ፖለቲካዊ ድሌቶምን ንቻይና ዘለዎም ፅለኣትን፣ ንህዝቢታት ቻይናን ኣሜሪካን ክብሪ ከምዘይብሎም ዘርኢ ኢዩ ኢሉ፡፡

ቤት ምኽሪ ድሕንነት ምምሕዳር ባይደን፥ እቲ ስጉምቲ “ውፅኢታዊ ዘይኮነን ተንኮል ዝተመልኦን” ክብል ገሊፁዎ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.