Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየደድ ድርድር ግድብ ህዳሰ ሰለስቲአን ሃገራት ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ብኣደራዳራይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየደድ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ከምትድግፍ ገሊፃ።

ምክትል ሓላፊ ልኡኽ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዢ ቲያን፥ ግድብ ህዳሰ ቀልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሰሓበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ነኣብነት እውን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እቲ ጉዳይ ምልዓሉ ኣዘኻኺሮም።

“ቻይና ከም ሓንቲ ፈታዊት ሃገራት ኣፍሪካ፥ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣክል ጠቓሚ ከምዝኾነ ትግብዘብ ኢያ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ግድብ ብዝምልከት ብኣሸማጋላይነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ሰለስተኣዊ ድርድር ብወገን ቻይና ድጋፍ ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም።

ቻይና፥ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ዘካይደኦ ድርድር ከይወፅኣን ኣፈላላየን ብልዝብ ንኽፈትሓ ከምተበረታትዕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.