Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ተእትዎ መጠን ፍርያት ቡን ብ196 ሚኢታዊ ዓቢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ተእትዎ መጠን ፍርያት ቡን ብ196 ሚኢታዊ ዓቢዩ።

ትማሊ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሸመ ቶጋ ዝተሳተፉሉ ሰሚናር ተኻይዱ።

እቲ ሰሚናር በቐንዱ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ፈረንጂ ዓመት ዝተኻየደ ፎረም ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ዝተመሓለለፉ ውሳነታት ኣፈፃፅመኦም ምክትታል ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብቲ ኩነት ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰከንድ 11 ሺሕ ዕሹግ ቡን ኢትዮጵያ ከምዝተሸጠ ኢዩ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ው ፔንግ ዝሓበሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ዘእተወቶም መጠን ፍርያት ቡን ብቕድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመት ብ196 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ክብ ዝበለ መጠን ዘለዎም ፍርያታት ሕርሻ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ክተእቱ ኢያ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.