Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ብዝምልከት ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ሰላምን ፍትሕን ደው ክምእትብል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና እዋናዊ ኩነታት ሩሲያን ዩክሬንን ብዝምልከት ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ሰላምን ፍትሕን ደው ክምእትብል ገሊፃ።
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዌንቢን፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምዝሓል ኣብ ዝሕግዙ ዲፕሎሚያሲያዊ ፃዕሪታት ሃገሮም ከምእትድግፍ ተዛሪቦም።
እቲ ዘሎ ቅልቅላው ብሰላም ንክፍታሕ ከምእትድግፍ እውን ገሊፆም።
ብኻሊእ መዳይ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ንምዝታይ ሎሚ ህፁፅ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ኢዩ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.