Fana: At a Speed of Life!

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ሕይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ኑር ሓሰን ሑሴን ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ለንደን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሶማልያ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ ተባሂሉ።

ወዲ 83 ዓመት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማልያ ኑር ሓሰን ሑሴን፥ ኣብ ለንደን እናሃለዉ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝፀንሐን ኣብ 83 ዓመቶም ህይወቶም ከምዝሓለፈን ተገሊፁ።

ኑር ኣዴ ብዝብል ቅፅል ስም ዝፍለጡ እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2007 ክሳብ 2009 ንጎረቤት ሃገር ሶማልያ ብቐዳማይ ሚኒስትርነት ዝመርሑ እዮም።

ፍልፍል፦ ኣለጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.