Fana: At a Speed of Life!

ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ቸልሲ ዊሊያን ብውዕሊ ሰለስተ ዓመት ናብ ጋንታ ኣርሰናል ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ተፃዋታይ ክፍሊ መስመር ኣማካር ዊሊያን ናብ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኣርሰናል ብውዕሊ ሰለስተ ዓመት ተፀምቢሩ።

ዊሊያን ካብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቸልሲ ብምልቃቕ ኢዩ ብናፃ ናብ ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል ኣምሪሑ ዘሎ።

ወዲ 32 ዓመት ዊሊያን ኣብ ኣርሰናል ሰለስተ ዓመት ንምፅናሕ ምስምዕምዑ ተሓቢሩ።

ዊሊያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2013 ካብ ሩሲያዊት ጋንታ ኣንዚ ማካቻካላ ብ30 ሚሊየን ፓውንድ ከምዝፈረመ ይዝከር።

ኣብ ጋንታ ቸልሲ 339 ፀወታታት ተሰሊፉ ተፃዊቱ ኢዩ።

ኣብ ኣርሰናል ዝህልዎ ፃንሒት ድማ ኣብ ጋንታ ቸልሲ ይረኽቦ ካብ ዝነበረ ዝሐሸ ሳምንታዊ መሃያ ክረክብ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.