Fana: At a Speed of Life!

ነበር ፕሬዚዳንት ሜክሲኮ ብገበን ግዕዝይና ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ሜክሲኮ ኤኔሪኬ ፔና ኔቶ ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ምርመራ እናተበረሎም ምዃኑ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ካብ ግዕዝይና ብተወሳኺ ኣብ ገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ከምዝጥርጠሩ እውን ፍልላት ብምፅራሕ ሬውተርስ ፀብፂቡ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ነበር ሬዚዳንት ምርመራ ምክያድ ምጅማሩ ተገሊፁ።

ዓቃቢ ሕጊ ሜክሲኮ፥ ኣብቲ ጉዳይ መብርሂ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዝልጣን ዘለዉ ፕሬዚዳንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር ብግደኦም፥ እቶም ነበር ፕሬዚዳንት ናብ ቤት ፍርዲ ንኽቕርቡ ድሌት ከምዘይብሎም ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንታት ካብ ስልጣን እንትወርዱ ናብ ሕጊ ይቕረቡዶስ ኣይቕረቡ ኣብ ዝብል ዛዕባ ፓርላማ እታ ሃገር ድምፂ ክህቡሉ ከምዝኽል እውን ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.