Fana: At a Speed of Life!

ነበር ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ቤንጃሚን ምካፓ ዓሪፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ቤንጃሚን ምካፓ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዳሬ ሳላም ዝርሀብ ሆስፒታል ኢዮም ኣብ 81 ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊም ዘለዉ።

ንሕልፈት ህይወት ምካፓ ስዒቡ፥ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ብሄራዊ ሓዘን ኣዊጆም።

እቶም ነበር ፕሬዚዳንት ህይወቶም ዝሓለፈሉ ምኽንያት ክሳብ ሕዚ ኣይተፈለጠን ተባሂሉ።

ቤንጃሚን ምካፓ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1994 ክሳብ 2005 ንሃገሮም ብፕሬዚዳንትነት ኣገልገሎም ኢዮም።

ሳልሳይ ፕሬዚዳንት ሃገረ ታንዛኒያ እውን ነይሮም።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.