Fana: At a Speed of Life!

ነባርነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኾኑ ግዱሳት ሰብ ሃፍቲ፣ ንመከላኸሊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝኸውን ብር 4 ሚልዮን ኣወፍዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኣርባዕተ ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ትግራይ ንመከላከሊ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ዝውዕል ብር ኣርባዕተ ሚልዮን ሓገዝ ከም ዝገበሩ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ከም ዝገለፅዎ፥ ኣይተ እፀገነት በርሀ፣ ኣይተ ዓብዲልዓሊም ሙሳ ኣብርሃ፣ ኣይተ ይትባረክ ዘገየን ኣይተ ትካቦ ወልደገብርኤልን ዝበሃሉ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ሕድሕዶም ብር ሓደ ሚልዮን ብድምር ድማ ብር 4 ሚልዮን ሓገዝ ገይሮም።

እቶም ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሃፍቲ፥ ክልተ ላውንደሪ ማሽን ምስ ናይ ሰለስተ ወርሒ ሙሉእ እታወታተን ከምኡ እውን 312 ሽሕ ሰርጂካል ግላቭ ሎሚ መዓልቲ ንቢሮ ጥዕና ኣረኪቦም።

ነቶም ሓገዝ ዝገበሩ ተጋሩ ልዑል ክብሪን ምስጋናን ይግብኦም ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ፥ ኣጋጢሙ ንዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምምካት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ንክሕግዙ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.