Fana: At a Speed of Life!

ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ብማሕበራት ስራሕ ፌዴራል ኣቢሉ ይስራሕ ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ማሕበራት ስራሕ ፌዴራል ኣይ ኡስማን ሱሩር ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይሬክተሩ ምስ ፋና ብሮድካስቲግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ካብ ኣፍረይቲ ክሳብ ሸመትቲ ኣብ ዝበፅሕ ሰንሰለት ምንም እሴት ዘይውስኹ ኣካላት ጣልቃ ብምእታዎም ንናህሪ ዋጋ መበገሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናህሪ ዋጋ ሚስማርን ቆርቆሮን ሓዊሱ እታዎታት እኽሊ ብዝተመጣጣነ ዋጋ ንተጠቃሚ ንምቕራብ የስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

መንግስቲ ፌዴራል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ስዒቡ ኣብ ኣቕርቦት እቶት ሕፅረት ንከየጋጥም 800 ሚሊየን ብር ከመዝመደበ እውን ኣይተ ኡስማን ተዛሪቦም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.