Fana: At a Speed of Life!

ናሳ፥ ካብ ወርሒ እምኒ ንዘምጽኣሉ ኩባንያ 1 ዶላር ክኸፍል’ዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናሳ ካብ ወርሒ እምኒ ንዘምፅኣሉ ኩባንያ 1 ዶላር ክኸፍል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቅድም ኢሉ፡ ካብ ወርሒ ቅምሶ ሓመድን እምንን ንዘምጽኣለይ ኩባንያ ብርኩት ገንዘብ ክኸፍል’ዩ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ኩባንያታት ተወዳዲሮም ነይሮም።

ኣብዚ እዋን ሉናር ኣውትፖስት ዝተባህለ ዝተሓተ ዋጋ ጨረታ ዘቕረበ ተዓዋቲ ትካል ምስ ኤጀንሲ ህዋ ኣመሪካ ናሳ ክሰርሕ ተሰማሚዑ ኣሎ። እቲ ዝተዋህቦ ዕማም ምስ ፈጸመ ከኣ ሓደ ዶላር ክኽፈሎ እዩ።

ናሳ፡ ምስ ካልኦት ካብ ወርሒ ቅምሶታት ዝእክቡ ኣርባዕተ ትካላት እውን ኣርባዕተ ተመሳሰልቲ ስምምዓት ተፈራሪሙ ኣሎ። ኩሎም ከኣ ብዝተሓተ ዋጋ ክሰርሑ እዮም።

ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ማስተን ስፔስ ሲስተምስ፣ ኣብ ቶክዮ ዝርከብ ኣይስፔስ ዝተባህሉ ኩባኒያታት ከኣ ካብቶም ምስ ናሳ ስምምዕ ፈሪሞም ዘለው’ዮም።

ንሳቶም ናብ ወርሒ ከይዶም ካብ 50 ክሳብ 500 ግራም ዝምዘን ሪጎሊስ ወይ ድማ ኣእማን ወርሕን ሓመድን እንተምጺኦም ነፍሲ ወከፎም ሓደ ዶላር ጥራሕ ክኽፈሎም እዩ።

እዞም ካብ ወርሒ ዝእከቡ አእማን ናይ ቢልዮን ዓመታት ዕድመ ዘለዎም እዮም።

ወሃቢ ቃል ናሳ፡ “እዞም ኩባኒያታት ቅምሶ እምኒ ወርሒ ምምጻእ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ተግባር ከም ዝፈጸሙዎ ዘርኢ ምስሊ’ውን ከቕርቡ ኣለዎም” ኢሉ።

እዚ ብ2023 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝፍጸም ክኸውን እዩ።

ሉናር ኣውትፖስት ዝተባህለ ትካል ሮቦት፡ ካብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ሓመድ ኣኪቡ ንክመጽእ ሓደ ዶላር ክኽፈል ንዝኣተዎ ስምምዕ ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.