Fana: At a Speed of Life!

ናሳ ብዛዕባ ፀሓይ ሓበሬታታት ትእክብ ሓዳሽ መንኮራኹር ናብ ህዋ ክልእኽ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ (ናሳ) ብዛዕባ ፀሓይ ሓበሬታታት ትእክብ ሓዳሽ መንኮራኹር ናብ ህዋ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።

እታ ብምትሕብባር ናሳን ትካል ምርምር ጠፈር ኣውርፓን ትለኣኽ መንኮራኹር፥ ዋልታ ሰሜንን ደቡብን ፀሓይ ዘርኢ ፈላማይ ምስሊ ናብ መሬት ክትልእኽ ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ክሊ ዋልታ ሰሜንን ደቡብን ፀሓይ ዝርከቡ ሓደሽቲ ሓበሬታታት ክትእክብ ኢያ ተባሂሉ።

እቲ ሓበሬታ ድማ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ኣብ ዙርያ ፀሓይ ክለዓሉ ዝኽእሉ ማዕበላት ቅድሚ ምልዓሎም ብፅቡቕ ኩነታት ንኽትንብዩ ከምዝሕግዞም ተገሊፁ።

እታ መንኮራኹር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ለካቲት ናብ ህዋ ትለኣኽ እንትትከውን፥ ካብ ፀሓይ ብ26 ሚሊየን ማይል ርሕቐት ከምትሕምበብ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡- ዴይሊ ሜል

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.