Fana: At a Speed of Life!

ናሳ ናብ ማርስ ሄሊኮፕተር ልኢኹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንጂነራት ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ (ናሳ) ንፈለማ እዋን ሄሊኮፕተር ናብ ማርስ ምልኣኹ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዙሪያ ምህዋር ክትትበርር ኢያ ዝተብሃለት እታ ሄሊኮፕተር፥ ብመጠን ኣዚያ ዝነኣሰት ከምዝኾነት ተገሊፁ፡፡

ኢንጂ ኒውቲ ዝተብሃለት እታ ሄሊኮፕተር፥ ካብ ፀፍሒ ማርስ ብሰለስተ ሜትሮ ብራኸ ክትበርር ኢያ ተባሂሉ፡፡

ፀሊምን ፃዕዳን ከምኡ እውን ሕብራዊ ቀለም ዘለዎም ምስሊታት ንምስኣል ዘኽእሉ ክልተ ካሜራታት ዝተገጠመላ አታ ሄሊኮፕተር፥ ስርዓት ኮምፑዩተር፣ ባትሪን ሓባሪ ኣንፈትን ክህልዋ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ናብ ማርስ ዝተለኣኸት ሄሊኮፕተር ናብ ፕላኔት ኣብ ትገብሮ በረራ ኣብ መሬት ካብ ትገብሮ በረራ ብሸሞንተ ዕፅፊ ቅልጣፈ ከምትበርር ተገሊፁ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.