Fana: At a Speed of Life!

ናብ ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ዝተርኣየለን ሃገራት ዝጓዓዙ መንገደኛታት ክገብሩዎመም ዝግብኡ ጥንቃቐታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ናብ ቫይረስ ኖቭል ኮሮና ዝተወለዐለን ሃገራት ዝጓዓዙ መንገደኛታት ክገብሩዎም ዝግብኡ ጥንቃቐታት ዕላዊ ገይሩ።

ክገብሩዎም ካብ ውሽጡ ዝግብኡ መጠንቀቕታታት፡-

• ምልክት ሰዓልን ዋዒን ምስ ዝረኣየሎም ሰባት ዘይምንኽኻእ፣

• ኢድ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ ብፍላይ ምስ ዝሓመሙ ሰባት እንተተነኻኺኦም፣

• ዘይበሰሉ ምግቢታት ውፅኢት እንስሳ ዘይምብላዕ፣

• ምስ ብህይወት ዘለዉ ይኹኑ ዝሞቱ እንስሳት ዘቤትን ዘገዳምን ዘይምንኽኻእ፣

• ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ትካላት ጥዕና፣ ማሕበራት ጉዕዞ፣ መገዲ ኣየር፣ ወይ ከዓ ምስ ካልኦት ፍልፍላት ሓበሬታ ጥዕና ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል ሓበሬታ ምርካብን ንባዕሎም ካብቲ ሓማም ክከላኸሉ ይግባእ።

በቲ ሓዱሽ ሕማም ከምዝተትሓዙ ስግኣት ዘለዎም ሰባት ክገብሩዎም ዝግብኡ ድማ፦

• ናብ ሃገሮም ምስተመለሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ሕማም መተንፈሲ ኣካላት፣ ዋዒን ከም ሰዓል ዝበሉ ምልክታት ሕማም እንድሕር ሃሊዩዎም ብቕልጡፍ ኣብ ጥቐኦም ናብ ዝርከብ ጣቢያ ጥዕና ብምኻድ ኣድላዪ ዘበለ ግላጋሎት ሕክምና ምግባር፣

• ስምዒት ናይቲ ሕማም ቅድሚ ምፍጣሩ (ቅድሚ 14 መዓልቲ) እቲ ሕማም ተራእዩለን ናብ ዝተብሃላ ሃገራት ከይዶም እንድሕር ነይሮም፥ ንሰብ ሞያታት ምንጋር፣

• ኣብ ዝስዕሉሉን ኣብ ዘሀንጥሱሉን እዋን፥ እቲ ሕማም ናብ ጥዑያት ሰባት ከይመሓላለፍ ኣፍን ኣፍንጫን ብኢድ፣ ብጨርቂ ወይ ድማ ብሶፍቲ ምሽፋን፣

• ኣፍን ኣፍንጫን ንምሽፋን ዝተገልገሉሉ ሶፍት ወይ ድማ ጨርቂ ብኣግባቡ ምውጋድን ኢድ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ ይግባእ።

እቲ ሕማም ተራኢዩለን ናብ ዝተብሃላ ሃገራት ከይዱ ምልክታት ናይቲ ሕማም ከርኢ ዝጀመረ ሰብ ዝፈልጥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ጥቕኡ ንዝርከብ ትካል ጥዕና ሓበሬታ ምሃብ ወይ ከዓ ቀፂሎም ብዝተገለፁ ኣድራሻታት ብምጥቃም ሪፖርት ክገብሩ ይግበኦ።

ተወሰኽቲ ሓበሬታታት፦ ብነፃ መስመር ስልኪ 8335 ወይ ድማ ብስሩዕ ቁፅሪ ስልኪ 0112765340፣
ወይ ድማ ብኢ-ሜል ኣድራሻ phemdatacenter@gmail.com ወይ ድማ ephieoc@gmail.com ብምጥቃም ምርካብ ወይ ከዓ ምልኣኽ ከምዝከኣል እቲ ኢንስቲተዩት ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.