Fana: At a Speed of Life!

ናብ ትግራይ ንዝጅመር ትራንስፖርት ምድሪ ዘገልግሉ 6 ድልድላት ተፀጊኖም ንኣገልግሎት ድልዋት ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ትግራይ ንዝጅመር ትራንስፖርት ምድሪ ዘገልግሉ ቅድመ ሐዚ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ዝነበሩ ሽዱሽተ ድልድላት ተፀጊኖም ንኣገልግሎት ድልዋት ከምዝኾኑ ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምምሕዳር ዳይሬክተር ስራሕቲ ድልድልን ስትራክቸርን ኢንጂነር ጌትነት ዘለቀ፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ዝነበረ ድልድላት ብምፅጋን ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽአል ስራሕ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝርከቡ ክልተ ድልድላት፣  ኣልውሃ፣ ጪሬቲ፣ ፅላረን ጎቡን ዝርከቡ ድልድላት ኣድላዪ ህንፀት ብምግባር ንትራፊክ ክፍቲ ከምዝተገበሩ እቶም ዳይሬክተር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቶም ድልድላት ፅገና ብምግባር ናብ ስራሕ ንምእታው ልዕሊ 173 ነጥቢ 17 ሚሊየን ብር ከምዝተገበረ እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።

ብኹሉ ኣንፈት ናብ ተግራይ ዝወስዱ ኣስፋልት መገዲታት ንኣገልግሎት ትራንስፖርት ምድሪ ደልዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.