Fana: At a Speed of Life!

ናብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 17 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሓገዝ መግቢ ከምዝተልኣኸ ውሕመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 17 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሓገዝ መግቢ ከምዝተልኣኸ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሓዙት ኣካላትን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሩዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡
ብመሰረት እዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 15 ሕዳር 2022 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ብ435 ተሸከርከርቲ ልዕሊ 17 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ሓገዝ ምግቢ ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ 699 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑሑት ዝፀዓና 19 ተሸከርከርቲን 100 ሺሕን 159 ሊትሮ ነዳዲን ኣብቲ ክልል ከምዝተኸፋፈለ ኣፍሊጡ፡፡
ንመካየዲ ስራሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 21 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ እውን ኣመልኪቱ፡፡
እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣብ ምክፍፋል 11 መሓዙት ኣካላት ከምዝተሳተፉ እውን እቲ ትካል ንብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ፀሪሑ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ሓቢሩ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.