Fana: At a Speed of Life!

ናብ ኣፍሪካ ዝተለኣኸ ካታበት ኮቪድ19 እኹል ኣይኮነን – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኣፍሪካ ዝተለኣኸ ካታበት ኮቪድ19 እኹል ከምዘይኮነ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ክታበት ኮቪድ ዝወሰዱ ትሕቲ 3 ሚኢታዊ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ እታ ኣህጉር ከምዝኾኑ ማእኸል ምክልኻል ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ማእኸል ክታበት ብፍትሓዊነት ኣይተኸፋፈለን ክብል ኮኒኑ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣፍሪካ ዝበፅሐ ክታበት ብሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ዝገለፀ እንትኸውን፥ 13 ሚሊየን ዶዝ ክታበት ከምዝተኸፋፈለ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ሕዚ ክታበት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 10 ሚኢታዊ ኣፍሪካውያን ካብ ኮቢድ ንምንጋፍ ዝተትሓዘ ትልሚ ጋህዲ ንምግባር ከምዝኸብድ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ንደሓር 248 ሺሕ ሰባት ብኮቪድ19 ዝተተሓዙ እንትኾኑ፥ብውሑዱ ኣብ 28 ሃገራት ኣፍሪካ ለበዳ ዴልታ ኮቪድ19 ከምዝተርኣየ ተሓቢሩ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.