Fana: At a Speed of Life!

ናብ ወርሒ እተካይዶ መፃምድቲ ዝደሊ ዘሎ ጃፓናዊ ቢልየነር

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጃፓናዊ ቢልየነር ዮሳኩ ሜዛዋ፥ ኣብ ዙርያ ወርሒ ንምብፃሕ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ እተሰንዮ ጓልኣንስተይቲ መፃምድቲ ይደሊ ከምዘሎ ገሊፁ።

እዚ ወዲ 44 ዓመት ቢልየነር፥ ኣብ መንኰርኰር ኮይኑ ንወርሒ ዝጓዓዝ ናይ መጀመርያ ሲቪል ክኸውን እዩ።

እቲ ናይ ወርሒ ዑደት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ ይግለፅ።

ንሱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝፀሓፎ ምሕፅንታ፥ ነቲ ጉዕዞኡ ምስ ፍልይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ኮይኑ ከካይዶ ከምዝደሊ ገሊፁ’ሎ።

ዮሳኩ ሜዛዋ፥ ምስ መሓዝኡ ዝነበረት ተዋሳኢት ጓል 27 ዓመት ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ተፈላልዩ።

ንሱ መፃምድቲ ንምርካብ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ክምዝግባ ሓቲቱ’ሎ።

“ፅምዋን ባዶነትን ቀስ ብቐስ ክዕብልለኒ ጀሚሩ፤ እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክሓስብ ኣገዲዱኒ፤ ንሱ ድማ ፍቕሪ እዩ” ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ፅሒፉ።

ብተወሳኺ “ኣነ ናይ ህይወት መፃምድቲ ክረክብ እየ ዝደሊ። ምስ ናይ መፃኢ መፃምድተይ ኮይነ ድማ ካብ ጠፈር ፍቕርን ዓለማዊ ሰላምን ክጭርሕ እደ” ክብል’ውን ፅሒፉ።

እተን መጻምድቱ ክኾና ዝደልያ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፥ ዘይተመርዓዋ፣ ልዕሊ 20 ዓመት ከምኡ’ውን ምሉእ ተስፋ ዘለወንን ንህዋ ክኸዳ ድልየት ዘለወንን ክኾና ከምዘለወን ገሊፁ።

እቲ ናይ ምዝገባን ውድርድር ግዜ ክሳብ 17 ጥሪ 2020 ክፉት እንትኸውን፥ እቲ ናይ መወዳእታ ውፅኢት ድማ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ክንገር ትፅቢት ይግበረሉ።

ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ፥ ከባቢ 3 ቢልየን ዶላር ሃፍቲ ከምዘለዎ እዩ ዝግለፅ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.