Fana: At a Speed of Life!

ናይጀርያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰበስልጣን ናይጀርያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሓደ ሰብ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ከተማ ሌጎስ ዝተረኸቡ ሰብ፥ ካብ ሚላኖ ዝተጓዕዘ ኢጣልያዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ኢጣልያዊ ዜጋ ኣብታ ከተማ ዝሰርሕ እንትኾን፥ ካብ ሚላኖ ናብ ሌጎስ ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ25 ለካቲት ምስኣተወ ብዝተገብረሉ መርመራ እዩ በቲ ሕማም ከምዝተለኽፈ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ግዝኣት ሎምባርድያን ቨኒቶን ኣስታት 400 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን ሓያሎ ከምዝሞቱን ይዝከር።

እቲ ካብ ከተማ ሁበይ ቻይና ዝተበገሰ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግብፅን ኣልጀሪያን እውን ከምዝተራእየ ዝፍለጥ እዩ።

ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ሰፊሕ ቁጠባውን ንግዳውን ርክብ ስለዘለዋ ናብታ ሃገር ክዝርጋሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለፅ።

ቫይረስ ኮሮና ንዓለም ኣስጋኢ ዝበሃል ብርኪን ዓቕሚን ከምዝበፅሐ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምግላፆም ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.