Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሳይንስ ሙዚየም ከተማና ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለት ከተማ ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ናይ ሳይንስ ሙዚየም ከተማና ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለት ከተማ (ስማርት ሲቲ) ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ናይ ሳይንስ ሙዚየም ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ምኽፋቶም ይፍለጥ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ከምዝገለፀኦ÷ “ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ናይ ሳይንስ ሙዚየም ከተማና ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለት ከተማ (ስማርት ሲቲ) ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፤ እዚ ድማ ማእኸል ልህቀት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ”።

ነበርቲ እታ ከተማ ብፍላይ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ንኽበፅሖዎ ፀዊዐን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስሊ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክብ ከብል ዝኽእል ፕሮጀክት ማእኸል ልህቀት ብምስራሕ ወለዶ ብምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንኅምዕብል ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ እውን ኣመስጊነን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.