Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራ እናራብሑ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ባጤራ እናራብሑ ዝነበሩ ክልተ ዜጋታተር ወፃኢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ሓደ ካሜሮናዊን ሓደ ኮትዲቧዊን ዜግነት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወረዳ 2 ኣማዶ ፔንሲዮንን ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 4 ሓዲስ ብራይት ፔንሲዮን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ውልቀ ሰባት ናይ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ባጤራ እናራብሑ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

ናይቶም ውልቀሰባት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ እናተኸታተለ ዝነበረ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነት እቶም ተጠርጠርቲ ንኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓበሬታ ብመሃብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ገይሩ ኢዩ፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንትውዕሉ 170 ሺሕን 330 ትኽክለኛ ኖት ብር ኢትዮጵያ፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘባት፣ ብዙሕ በዓል 200 ፎርጂድ ኖት ብር ኢትዮጵያ፣ ሕሩጭዝመስል ኬሚካል፣ ፈሰስቲ ኬሚካላት፣ ከተር ወይ ድማ መቑረፂ ወረቐት፣ ብዙሓት ቾክ፣ ወረቐት፣ 9 ሞባይል ስልኪታትን ካልኦት ናውቲን ከምዝሓዘ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.