Fana: At a Speed of Life!

ናይ ደጀንነት ድጋፍና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ነጋዶ ከተማ ደሴ ገሊፆም

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ግጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ብምድጋፍ ደጀንነትና ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ነጋዶ ከተማ ደሴ ገሊፆም።

እቶም ነጋዶ ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ህልውና ሃገር ንምሕላው ንዝወፈሩ ሓይሊታት ድጋፍ ብምግባር ምንቅሳቓስ ንግዶም እውን ይፍፅሙ ኣለዉ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈሩ ኣይተ  ጀማል አወል÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝለመዶ ናይ ሕሾት ወረ ምፍንቓልን ምዝራፍን ከምዘይኽእል ገሊፆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ደሴ ተቖፀፂረያ ካብ ዝብል ሰሙን እኳ እንተቑፀረ፥ ንሕና ብዝተረጋግዐ ክነታት ስራሕቲና ብምግባር ወሎ መቕበሪቱ ንክትከውን ብምውዳድ ንሰርሕ ኣና ኢሎም።

ንጀግና መከላከያ ሠራዊትን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ብዝተኣከበ ገንዘብ ማይ፣ ደረቕ ስንቅን ካልኦት እታዎታትን ብምቕራብ ደጀንነትና ነርኢ ኣለና እውን ኢሎም።

ብናይ ሓሶት ወረ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ተደናጊፆም ሹቖም ዝዓፀዉ ንክኸፍቱ ብምግባር ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ንከይዘሓሓል ግደኦም ከምዝዋፅኡ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.