Fana: At a Speed of Life!

ናፍታሊ ቤኔት ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈፂሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናፍታሊ ቤኔት ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 13 ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ብምዃነ ኢዮም ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።

ያኢር ላፒድ ድማ ተለዋጢ ቀዳማይ ሚኒስትርን  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን እስራኤል ብምዃን ተመሪፆም።

ኣብ የማናይ ክንፊ ብሄርተኛ ከምዝኾኑ ዝዝረበሎም ናፍታሊ ቤኔት፥ ብመሰረት ምስ ካልኦት ዝኣተውዎ ስምምዕ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ከምዝኾኑ ኢዩ ተገሊፁ።

መራሒ ውድብ ያሚና ዝኾኑ ቤኔት፥ ክሳብ ወርሒ መስከረም 2023 ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ክመርሑ ኢዮም።

ካብኡ ንድሓር ንዘሎ ናይ ክልተ ዓመት ፖለቲካዊ ስልጣን እታ ሃገር ድማ ንመራሒ ውድብ የሽ ኣቲድ ዝኾኑ የር ላፒድ ከምዘረክብዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ታሪኽ እስራኤል ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑን ንዓመታት ፖለቲካዊ ስልጣን ናይታ ሃገር ከምዝበሓቱ ዝዝረበሎም ቤንጃሚን ኔታናሁ፥ መራሒ ተቓዋሞ ውድብ ፖለቲካ ሊኲድ ብምኻን ክቕፅሉ ትፅቢት ይግበረሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.