Fana: At a Speed of Life!

ኔይማር ብምኽንያት ጉድኣት ካብ ክልቲኦም ኣብ ክልቲኦም ናይ ምድብ ፀወታታት ከምዘይስለፍ ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኔይማር ጁኒየር ብምኽንያት ጉድኣት ኣብ ክልቲኦም ናይ ምድብ ፀወታታት ከምዘይስለፍ ተረጋጊፁ።

ኔማር ትማሊ ምሸት ብራዚል ምስ ሰርቢያ ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ዓካሪቶ ኢዩ ካብ ምድብ ፀወታ ወፃኢ ኮይኑ ዘሎ፡፡

ዶኳትር ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል÷ ድሕሪ ፀወታ ሰርቢያ ኩነታት ጉድኣት ኔማር ብዝምልከት ዕላዊ ብዝገበሩዎ ውፅኢት ምርመራ እቲ ተፃዋቲ ኣብ ክልቲኦም ናይ ምድብ ፀወታታት ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕክምና የፊዚዮቴራፒ እናተኸታተለ ከምዝኾነ ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.