Fana: At a Speed of Life!

ንህልውና ሃገር ብሓባር ደው ብምባል ዕላማ ጁንታ ንምኽሻፍ ድልዋት ኢና ክብሉ መናእሰይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ነህልውና ሃገር ብሓባር ደው ብምባል ዕላማ ጁንታ ንምኽሻፍ ድልዋት ኢና ክብሉ መናእሰይ ከተማ ደሴ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ገሊፆም።

እቶም ስልጠነኦም ዝወድኡ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ፃንሒት ዝገበሩ መናእሰይ÷ ከባቢኦምን ሃገሮምን ንምሕላው ዘኽእል መሰረታዊ ውትድርና ስልጠና ምውሳዶም ገሊፆም።

እቲ ጁንታ ዘብፅሖ ጥፍኣት ኣሰቃቒ ኢዩ ዝበሉ እቶም መናእሰይ፥ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታ ብምውዳድን ክሳብ ግንባር ብምስላፍ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ኢና ኢሎም።

እቶም መናእሰይ ዘርእይዎ ዘለዉ መልዕዓል ኢትዮጵያ ኩሉ ጊዘ ደጀን ከምዘለዋ መርኣዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብከድር መሀመድ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.