Fana: At a Speed of Life!

ንህወሓት ዘውግዝ ሰልፊን ንሰራዊት ምክልኻል ልገሳ ደምን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ ወላይታ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣  22 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንተግባር ኣሸባሪ ህወሓት ዘውግዝ ሰልፊን ንሰራዊት ምክልኻል ልገሳ ደምን ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ዳሞት ሶሬን ከተማ ጉኑኖን  ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰልፊ፥ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ሰልፊ፥ ትንኮሳ ህወሓት ክነፍሽሎ ኢና፣ መሳርሒ ኲናት ካብ ማእገር ተጋሩ ህፃናት ይውረድ፣ ብሄራዊ ረብሓናን ሉእላውነትናን ይከበር፣ ክብሪን ሞገስን ንመላእ ሓይሊታት ፀፅታ ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ከንቲባ ምምሕዳር ጉኑኖ ሐሙስ ከተማ ኣይተ ወንድሙ ደጀኔ፥ ሽርሒ ጁንታ ንምፍሻል ኩሉ ብሓባር ሃገራዊ ስምዒት ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ብማቱሳላ ማቴዎስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.