Fana: At a Speed of Life!

ንልዕሊ 170 ሰብ ሃፍቲ መሬት ንምርኽኻብ ውዕሊ ኢንቨስትመንት ከምዝተኣሰረ ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ ግ21 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ገፀር ወረዳታትን ከተማታትን ትግራይ ንልዕሊ 170 ሰብ ሃፍቲ መሬት ንምርኽኻብ ውዕሊ ኢንቨስትመንት ከምዝተኣሰረ ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ክልል ትግራይ ተጣይሹ ስራሕ ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ድማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ልዕሊ 170 ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ብዘቕረቡዎ ሕቶ መሰረት ፍቓድ ኢንቨስትመንት ረኺቦም ውዕሊ ከኣስሩ ከምዝተገበረ ሓላፊ ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ክልል ትግራይ ኢንጅነር ኣበበ ግርማይ ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ካብ ይግበአኒን ጥርዓንን ናፃ ዝኾነ፣ መሰረተ ልምዓት ዝተማለአሉን ናብ መሬት ባንኪ ዝኣተወን ልዕሊ 280 ሄክታር መሬት ብውድድር ከምዝተዓደለ ኣብሪሆም።

ሰብ ሃፍቲ ቅድሚ ምጥያሽ እቲ ኮሚሽን ፍቓድ ኢንቨስትመንት ንምርካብን ውዕሊ ንምእሳርን ናብ ዝተፈላለያ ቤተ ዕዮታት መንግስቲ ብምኻድ ዘይተደለየ ግልታዕታዕ ይቃልዑ ከምዝነበሩ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ እቲ ሓዱሽ ኣወሃህባ ግልጋሎት ሰብ ሃፍቲ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኸኣትዉ ከምዝሕግዞም ገሊፆም።

ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ረኺቦም ናብ ስራሕ ዝኣትዉሉ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ግዘ ገደብ ከምዝተዘርገሐን ቅድሚ ሕዚ ብዘይ ፍረ ንኣዋርሕ ተታሒዙ ዝነበረ ቦታ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ዝኣትወሉን ግልጋሎት ዝህበሉን ከይዲ ከምዝኾነን ኢንጅነር ኣበበ ኣገንዚቦም።

ሰብ ሃፍቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ተጠቒሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ንኽዋፈሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፍልፍል፦ ድወት ቴሌቪዥን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.